Tigrinya

ንሕና መን ኢና

ንሕና ካብ ቶሮንቶን ከባቢኣን (GTA) ዝመጻእና፡ ኣብዛ ከተማ ንብዙሕ ዓመታት ዝተቐመጥና፡ ዝተመሃርና፡ ከምኡ'ውን በዚ ማሕበረ-ሰብ ዝተሓብሓብና ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መንእሰያት ኢና። ብዙሓት ካባና ኣብ ምህናጽ ማሕበረ-ሰብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተዋፊርና ዝጸናሕናን፡ በዚ ሓገዝ ከነቕርበሉ ንፍትን ዘለና ጉዳይ ብቐጥታ ዝተተንከፍናን ኢና። ንሕና ኣብ ሓባራዊ ኣድላይነታት ምምላእ ዘተኮረ ሓድሕዳዊ ሓገዝ ኢና ንኣምን፡ ምኽንያቱ እቲ ስርዓት (system) ንዓና ክድግፍ ከም ዘይተሰርሐ ስለ ንፈልጥ። እዚ ናይ ረዲኤት ሓገዝ ኣይኮነን። ናይ ማሕበረ-ሰብና ኣድላይነታት ብቐጥታ ኣተኩሮ ምሃብ፡ ነዓና ሓደ ኣገዳሲ ኣገባብ ናይ ማሕበራዊ ለውጢ ኢዩ።

እዚ ስራሕ፡ ሳላ'ቶም ዝመርሑና ሓያላት ዝምድናታት ዝተፈጸመ ኢዩ። እቲ ናይ ምልክታን ገንዘብ መአከቢ መስርሕን፡ ብእሙናትን፡ ካብዚ ተበግሶ ወጻኢ ብዝሰርሑን ሓለፍቲ ናይዚ ማሕበረ-ኮም ብዝቖመት ብቕዕቲ ኮሚተ ኢዩ ዝካየድ። ከምኡ'ውን ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን (GTA) ካብ ዝርከባ ብዙሓት ማሕበራት ከም፣ Art & Health, Young Diplomats, New Nakfa, Midtown, People to People AID Organization Canada, ከምኡ'ውን CEE Centre for Young Black Professionals ዝተፈላለየ ሓገዝን ደገፍን ንረክብ ኢና።


ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን (Greater Toronto Area) ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓደ እዋናዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ንምብርካት፡ 10,000 ዶላር ንእክብ ኣለና፡፡ 

ኮቪድ-19 ዘምጽኣልና ጸገማትን መፍትሒኡን፤ 

ኣካላዊ ምርሕሓቅ፤ ሓደ ካብቶም ማሕበረሰብና ንምድሓን ዘድልዩ ግብረ መልሲ እዩ። እንተኾነ ግን፤ እዚ ግብረ መልሲ ዝፈጠሮም ዝተፈላለዩ ናይ ጥዕናን፤ ማሕበራዊን ከምኡ 'ውን ናይ ቁጠባ ሳዕቤናት ከም ዘለዉ ይርድኣና እዩ።

ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ኣብ ቶሮንቶ(GTA) ዝርከባ ናይ ኣፍሪቃውያን ማሕበረ-ኮም ከም ምኻንና መጠን፤ ንብዙሓት ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን፤ ቅድሚ ኮቪድ-19 ምጅማሩ፤ ብቁዕ ኣባይቲ ዘይምህላው፤ ስእነት ስራሕ፤ ከምኡ 'ውን ናይ ጥዕና ኣገልግሎት ዘይምርካብ፤ የጋጥሞም ከም ዝነበረ ንፈልጥ ኢና።

ከምቲ እንፈልጦ፤ CERBን CESBን፤ ነቶም ኣብ ማሕበረ-ኮምና ዘለዉ ናይ ስራሕ ውሕስነት ዘይብሎምን፤ ከምኡ 'ውን ኣብ ናይ ጥረ-ገንዘብ ቁጠባ(cash economy) ዝሰርሑን፤ ብተወሳኺ ናይ ዓለም-ለኻዊ ተምሃሮን፤ ስነ-ጥበባውያንን፤ ናይ ነባርነት ወረቀት ዘይሓዙን፤ ከምቲ ዝድለ ክሕግዞም ኣይከኣለን። ብተወሳኺ፤ ኣካላዊ ምርሕሓቅ ዘስዓቦ ናይ ገዛ ጸገማት፤ ግዳም ሓደር ምኻን፤ ከምኡ 'ውን ኣብ ስኒት ዘይብሉ ገዛ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረ-ኮምና ከም ዘለዉ ንፈልጥ። ለበዳ ኮቪድ-19፤ ኣብ ቶሮንቶ ዝጸንሐ ናይ ናብራ ፍልልይ መሊሱ የነጽሮ ይርከብ። ናይ ፖሊስ ጎነጽ፤ ምኽባር ናይ ክንክን ህጻናት፤ ናይ ኣታዊ ዘይማዕርነት፤ ምኽባር ዋጋ ኣባይትን፤ ገለ ካብቶም ክጥቀሱ ዝኽእሉ ኣብ ቶሮንቶ ዝጸንሑ ሽግራት እዮም። እዚ ሕጂ ዝግበር ዘሎ ናይ ለበዳ ግብረ-መልሲ ግን፤ ነቲ ንዓና ዘጋጥመና ዘሎ ሽግር ዘይፈትሕን ዘይኣክልን እዩ። ስለዚ፤ ናይ ቁጠባ ዝርግሐ፤ ልዕሊ ዝኾነ እዋን ኣብዚ ግዜ እዚ ኣድልዩና ይርከብ።

ንሕና ንገብሮም ዘለና ነገራት፤ 

ዕላማና፤ ነቶም ኣብ ማሕበረ-ኮምና ዝያዳ ተሃስዮም ዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ውልቀሰባት ሓቢርና ምሕጋዝ እዩ። እቲ ንህዝብና ዘድሊ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ክርከብ ስለ ዘይተኻእለ፤ ባዕልና ንዕለታዊ ሂወትና ዘገድሱን፤ ዕድላት ዝኸፍቱን መፍትሒታት ኣብ ምፍጣር ንርከብ ኣሉና።

እዚ ሕጂ እነዋህልሎ ገንዘብ፤ ብቀጥታ ናብቶም ስርሖም ብለበዳ ኮቪድ-19 ስርሖም ዝተጸልወ፤ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ዝኸይድ እዩ። እቲ እኩብ-ገንዘብ ብዝቀልጠፈ መገዲ ናብ ኢድ እቶም ዝያዳ ዘድልዮም ኣባላት ማሕበረ-ሰብና ክበጽሕ ምኻኑ ነረጋግጽ።

ክትሕበሩና ትኽእሉ ኢኹም:

ኣብ ቶሮንቶን ከባቢኣን (Greater Toronto Area) ንዝርከቡ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ሓደ እዋናዊ ቁጠባዊ ሓገዝ ንምብርካት፡ 10,000 ዶላር ንእክብ ኣለና፡፡


ኩሉ እቲ ዝተኣከበ ገንዘብ ድማ ናብቶም ብሰንኪ እዚ ለበዳ መሰረታዊ ድሌታቶም ከማልኡ ዝጸገሞም ወገናት ክኸይድ ኢዩ፡፡ እቶም ህጹጻት ድሌታት፡ ገዛ ክራይ፡ መድሃኒት፡ መግብን ማይን፡ ከምኡ'ውን ኣካላውን ስነ-ኣእምራውን ክንክን ዘጠቓልሉ ኮይኖም ግን ኣብኡ ዘይተሓጽሩ ኢዮም፡፡ ኣመልከትቲ ዝርዝር ሓበሬታ ከቕርቡ ኣይግደዱን'ኳ እንተኾኑ፡ ብመሰረት ክልተ ዓይነት ምድባት ግን ዝግበኦም ሓገዝ ክቕበሉ ኢዮም፡፡

መን ከመልክት ይኽእል


እዚ ሓባራዊ ናይ ኤሪ-ኢትዮ ኮቪድ ቁጠባዊ ሓገዝ፥ ንኤርትራዊ ከምኡ'ውን/ ወይ ድማ ኢትዮጲያዊ መበቆል ዘለዎም፡ ነዞም ዝስዕቡ መምዘኒታት ዘማልኡ ሰባት ይምልከት፡

ወይ፡

  1. ን CERB: CESB: EI ወይ ዝኾነ ካልእ ዓይነት መንግስታዊ ሓገዝ ዘይበቕዑ፡

  2. ዝኾነ ዓይነት ቁጠባዊ መንግስታዊ ሓገዝ (CERB : EI: CESB: OW: ODSP ወይ ካልእ ዘጠቓለለ) ዝቕበሉ ዘለዉ፡

  3. ብምኽንያት ህጹጽ ኩነታት ውሑስ ናብራ ዝኸልእ ተወሳኺ ወይ ቅጻሊ ቁጠባዊ ሕጽረት ንዘለዎም፡፡ 


ነዘን ምልክታታት፡ ረቡዕ ዕለት 2 ሰነ ከነውጽአን ኢና፡፡


እቲ ምልክታ ምስ ወጸ ሐበሬታ/ክትሕበሩ ምስ እትደልዩ፡ ወይ ድማ ምስ ወለንተኛ ብቴለፎን ብምዝራብ ሕቶታት ክትሓቱ ምስ እትደልዩ፡ ነዛ ፎርም ምልኡ፡፡


ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም፡ ኣብ eecovidfund@gmail.com ኢ-መይል ክትሰዱልና ትኽእሉ ኢኹም።


ርኸቡና ኣብ

ኢንስታግራም፡ @eriethiocovid 



© 2020 ERI-ETHIO COVID-19 SOLIDARITY FUND | All rights reserved. Some material has been re-purposed from the #ShareMyCheque campaign. Visit ShareMyCheque.org to learn more. Thank you to all our volunteer translators from across the world!
Powered by Webnode
Create your website for free! This website was made with Webnode. Create your own for free today! Get started